Insightful articles and discussions to broaden your outlook.

My Perspective. Logo: A stylized representation of the company's name, with vibrant colors and modern design. Explore diverse perspectives on tech, culture, and lifestyle at My Perspective. Discover insightful articles and discussions to broaden your outlook.

English Translation

እቲ ሚኒዋሌ ፕረዚደንት 2ይ ክፋል

ኢሳያስ ኣፍወርቂ ወግዓዊ ትምህርቲ የብሉን፣ ከም ምሕደራ፣ ቁጠባ፣ ሲቪክስ፣ ወይ ካልእ ብጉጅለ ንሰባት ክመርሕ ወይ ምስኦም ብኣድማዒ መንገዲ ክዘራረብ ብቑዕ ዝገብሮ ወግዓዊ ኮርሳት ወሲዱ ኣይፈልጥን ኢዩ። ካብ መሳርሕቱ ዝተማህሮ እንግሊዝኛን ዓረብኛን ጥራይ እዩ ዝኸል። ኣብ ሱዳን እውን ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝነበረ። ተማሂሩ ካብ ምባል፣ እቲ ቋንቋ ባዕሉ ብሓይሊ ኣብ ሓንጎሉ በስገዳድ እቲዉዎ ምባል ይሓይሽ። እዚ ድማ ናይ ኣመራርሓ ባህርያት ወይ ካልእ ሞያዊ ክእለት ከም ዘለዎ ዘመልክት ኣይኮነን። ከጽንዕ ዝኽእል በሊሕ አእምሮ የብሉን። ትዕቢተኛ ስለዝኾነ ድማ። ካብ ኻልኦት ክመሃርን ክሰምዕን ዓቕሚ የብሉን። በሊሕን ብቑዕን ሰብ እንተዝኸውን ነይሩ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ደሴ፣ ኢትዮጵያ እናነበረን እናተመሃረን ከሎ ከም ኣምሓርኛ ዝኣመሰለ ቋንቋ ክመሃር ምኸኣለ ነይሩ ግን ኣይተማህረን። ድሕሪ ናጽነት እውን ከም በዓል ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንነብሶም ኣትሂቶም ኣብ ዩኒቨርስቲታት ተማሂሮም ኢዮም፣ ንሱ ግና ንክምሃር ህርፋን ኣይነበሮን፣ ምኽንያቱ ዝያዳ ክመሃር ዝኽእል ዓይነት ኣእምሮ ስለዘይነበሮ። ንቁጽ እአምሮ እዩ ዘለዎ።

ከም ልሙድ እቶም ውሑድ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ክሳብ ናይ ብሓቂ ብድሆ ዘጋጥሞም፣ ኩሉ ዝፈልጡ ወይ ካብ ኩሉ ዝሓሽዑ ገሮም ንነብሶም ዝርደኡ። ኣብ ኢሳያስ እውን እዚ እዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ክዛረብ ከሎ ዝሓለፈ ቪድዮታቱ ምርኣይን ኣብ ዘመነ ውግእ ዝጸሓፎ ብምንባብ ድማ፣ ድኩም ሰብ ከም ዝነበረ ካብተን ቪድዮታት ምርዳእ ቀሊል እዩ። ንድሕሪት ተመሊስካ ነተን ቪድዮታት ርኣየን፣ ዕሽነቱ ኩሉ አቡ ይልለ እዩ ።

መቀበሊ ኣጋይሽ አድ ሃሎ

ኣካል ናይቶም ቀዳሞት ጉጅለ ተጋደልቲ፣ ነቲ ቃልሲ ዝጀመሩ ብምንባሩ፣ መራሒ ክከዉን ክኢሉ ኢዩ። ድሒሩ ድማ ሳላ መርገጺኡ ነቶም ብቑዓት መሳርሕቱ ናይ ምቕታል ዕድል ረኺቡ። ኣብ ዝተረፈ ናይ 30 ዓመት ቃልሱ ድማ ኩሉ ዓመታቱ ንተቓወምቱ ክቐትል ኣብ ውዲት እናሓንጸጸ፣ ንኽቐትሎም ስትራተጂታት እናሓንጸጸ፣ ነቲ ውድብ ክመርሕ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ምቕንጻል እዩ ኣሕሊፍዎ። መጽሓፍቲ ከንብብ ግዜ ረኺቡ ኣይፈልጥን፣ በዚ ምኽንያት ፍልጠት ከጥሪ ኣይከኣለን ክበሃል ይከኣል።

ኮነ ኢልካ ተዉኔት እንዳሰረህን በቲ መደናገሪ ማእከል ሓበሬቱኡን (03) ጌሩ ነቶም ተራ ንጹሃት ተጋደልቲ፣ ኢሰያስ ዘይብቑዕ ዓሻ ምሩቕ ካልኣይ ደረጃ ሰብ ክነሱ፣ ኣብ ዉሽጢ እቶም ተራ ንጹሃት ተጋደልቲ ሓሶት ብምዝርጋህ ፈላጥ እንዳተበሃለ፣ ምሉእ ዕድሚኡ ብድራማ ዝነበረ ሰብ ኢዩ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ዑደት እንተተዓዚብኩም፣ ኮነ ኢሉ ተዋሳእቲ ኣብ መንገዲ መጺኦም ዓው ኢሎም “ንፈትወካ ኢሳያስ ኣፍወርቂ!” ወዘተ ክብሉ ተጌሩ እዩ። ምሉእ ህይወቱ በዚ ዓይነት ድራማ ኢዩ አህሊፉዎ። ብዛዕባ መሪሕነት እንታይነቱ ከም ዘይፈልጥ፣ ነብስ ወከፍ ሰብ ክፈልጥ አለዎ። ብቕዓት የብሉን። ኣብቶም ህንፀት ዲጋታትን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ዝተሓብአሉ ምኽንያት ድማ ሃገር ክመርሕን ከማሓድርን ዘኽእል ፍልጠት ስለዘይብሉ እዩ። ንሓደ ዕማም ንምፍጻም ሓላፍነት ዝስከም ሰብ እውን ክውክል ኣይክእልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ብናይ ስለያን ወረ ዝዝርግሑ ማእከላቱ ኣቢሉ ናይ ሓሶትን መደናገሪን ሓበሬታ ብምዝርጋሕን ፣ ከምኡዉን መንእሰያት ዜጋታት ኣብ ላዕለዎት ማእከላት ትምህርቲ፣ ወይ ልዕሊኡ ከይተረፈ ከይመሃሩ ብምኽልካል፣ ናይ ምምዛን ክእለት ከየጥርዩን፣ ኩነታት ሕብረተሰቦምን ሃገሮምን ከይፈልጡ ብምኽልካል ፣ ቀጺሉ ድማ ቀለልቲ ሜላታት ተጠቒሙ ነቲ ጽዩፍ ኣጀንዳኡ ንምፍጻም ወይ ኸአ ንክትግብር ይጥቀመሎም ኢዩ።

ዲቮራ

LET’S KEEP IN TOUCH!

አዳዲስ ጽሁፎች እንዲደርስዎ ይመዝገቡ

የንግድ ማስታወቂያዎችን አንልክም ።

A call-to-action!

Welcome to Our site! Explore The Omo Valley Communities and Learn About Their Current Situation