Insightful articles and discussions to broaden your outlook.

My Perspective. Logo: A stylized representation of the company's name, with vibrant colors and modern design. Explore diverse perspectives on tech, culture, and lifestyle at My Perspective. Discover insightful articles and discussions to broaden your outlook.

ዝተሰብረ ሕልሚ፣ ክውንነት ኤርትራ

የአማርኛው ትርጉም

ዝተሰብረ ሕልሚ፣ ክውንነት ኤርትራ

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኣርባመንጭ ከተማ እንዳነበርና ከለና፣ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ልኡኽ ምርጫ ናጽነት ንምዕዛብ ናብኡ መጸ። እቲ ምርጫ ኣካታዒ እዩ ነይሩ ክበሃ ይኸአል እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ዝተዋህበ ምርጫ ኣብ መንጎ ባርነትን ሓርነትን ስለ ዝነበረ። ባርነት ዝመርጾ ሰብ የለን። ብኸሙኡ ዘይተጸበናዮ ኣማራጺ ነይሩ ምባል ሓቂ እዩ። እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ናጽነትን ምስ ኢትዮጵያ ምጽናሕን እንተዝኸውን ምናልባት ገሊኦም ምስ ኢትዮጵያ ክጸንሑ ምመረጹ። እንተኾነ እቲ እንኮ ዝሃብዎ ኣማራጺ ናጽነት ስለዝኾነ 99% ኤርትራውያን ናጽነት መሪጾም። ን30 ዓመት ዝተቓለሱሉ ምኽንያት ኸኣ እዚ እዩ ነይሩ፣ ካብ ጭቆና ነጻ ንምዃን። ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ጅቡቲ ወይ ኢትዮጵያ ዘለና ርክብ ብዘየገድስ፣ እቲ ኣገዳሲ ነገር ናጽነት እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኤርትራውያን ኣብ ዘመነ ደርጊ ብዙሕ ሽግራት ስለዝሓለፉ ንመንግስቶም ክድግፉ ሕጉሳትን ህንጡያትን ነይሮም። ድሌት ናጽነት ስለዝነበረ፣ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብምድፋእ ኩሉ ነገር ክፍጸም በቲ ዝኸኣሎም ፈቲኖም ኢዮም። ኤርትራ ሓዳስ፣ ሓራ፣ ዘይተበላሸወትን ጽሩይን ሃገር እያ ትመስል ነይራ አብቲ ጊዜ እቲ። ብካልእ ወገን ድማ ፕሮፖጋንዳ ግዝያዊ መንግስቲ ልዑል ስለዝነበረ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ኤርትራዊ መንነት ወረቐት ንዘይብሉ ሰብ ካብ ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ጉድኣት እንተበጺሁ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ከምዘይገብሩ የጠንቅቁ ኔሮም።

ኣብ እዋን ምድላው ምርጫ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ግዝያዊ መንነት ወረቐት ይህብ ኔሩ። ኣነ’ውን ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ስለ ዝነበርኩ፣ ዋላ’ኳ ካብ ስድራይ ርሒቐ እንተነበርኩ፣ ኤርትራዊ መንነት ንምርካብ ናብቲ ቦታ ንክምዝገብ ከይደ ኔረ። ብትውልደይ ኤርትራዊ እኳ እንተኾንኩ፣ መንነተይ ዘረጋግጹ ሰለስተ መሰኻኽር የድልዩኒ ነይሮም። ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት መበቆል ወለደይ ካብ ኤርትራ ምኳኖም ብምምርማር እቲ መለለዪ መንነት ከምዝግብኣኒ ወሲኖም። ሓደ ካብኣቶም እዚ ሰብ ብሓቂ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ ኤርትራዊ ኢየ ኣይምበለን ክብል ሰሚዐዮ። ኣብቲ እዋን ምስ ሓደ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዓርከይ ስለ ዝነበርኩ። እቶም ሓለፍቲ ጉዳይና ተረዲኦም ስእልና ብምስኣል ነፍሲ ወከፍና 5 ብር ኢትዮጵያ ክንከፍል ሓቲቶምና። ተማሃሮ ስለ ዝነበርና ግን ገንዘብ ኣይነበረናን። ገንዘብ የብልናን ኢልና ኣይተቐበሉናን፣ ምምዝጋብዉን ኣብዮሙና። ንኤርትራውነትና ከም ዝተኸላእና እንደሃሰብና ገዲፍናዮም ናብ ከተማ ገፅና ተኣሪብና። ጸኒሕና፣ ንኽልቴና ዘድሊ 10 ቅርሺ ምእንቲ ክንረክብ፣ ዝፈትዋ ጃኬተይ ክሸይጥ ወሲነ። ጃኬተይ ኣብ ዕዳጋ ሲቂላ ከይድና ሸይጥና ናብቲ ቦታ ክፍሊት ክንገብር ተመሊስና ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኤርትራዊ መንነትና ክንረክብ ተኣማሚንና ናብ መደቀስና(ካምፓስ) ተመለስና።

ፍጻመታት እብ አዲስ አበባ

ቅድሚ ምርጫ ናጽነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ካድረ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሳቲፈ ኔረ። ኣብቲ ዘተ፣ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፣ ኣብ እዋን ድምጺ ረፈረንደም ብኢትዮጵያውያን ክፍጸሙ ዝኽእሉ መጥቃዕትታት ስክፍታ ከምዘለዋ ገሊጻ። እቲ ካድረ ግን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኮማንዶ ጋንታ ድልዋት ስለዘለዋ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ንኣዲስ ኣበባ ክቆጻጸርዋ ከምዝኽእሉ መለሰላ። ኮማንዶ ኤርትራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራዊ ስራሕ ክሰርሑ ብምኽኣሎም እናተገረምኩ ካብቲ ኣኼባ ወጺአ ናብ ገዛይ ኣምራሕኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ሻብያ ዓቢ እምነት ነይርዎም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘይክውንነታዊን ናይ ሓሶትን ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሕ ስለዝነበረ እዩ። ስልቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ዜጋታቱን ወተሃደራቱን ሓበሬታ ከይህልዎም ብምግባር ፣ነቲ ዝደለዮ ነገር ከምድላዩ እንዳጠዋወየ ንክገብር ምቹ ሃዋህው ንክፈጥረሉ ኢሉ ዝገብሮ እዩ።

ጉዕዞ ናብ ኤርትራ

ኣብ መወዳእታ 1996 ናብ ኤርትራ ክገይሽ ምስ ወሰንኩ፣ ኣብ መቐለ ኢትዮጵያ ከም መሃንድስ ኮይነ ይሰርሕ ነይረ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ድሕሪ ምድካሙ፣ ስዒቡ ኩነታት መቐለ ወጥሪ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ገለ ኤርትራውያን ኣብ መቐለ ሞይቶም ተረኺቦም ዝበሃለሉ ጊዜ ነበረ፣ ብሞቶም ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ግን ኣይነበረን። ንድሕነተይ ፈሪሐ ካብታ ከተማ ወጺኤ ናብ ኤርትራ ክኸይድ መሪጸ። ኣስመራ ምስ ኣተኹ፣ ኣብ መጀመርታ በይነይ እየ ነይረ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ገለ ኣባላት ስድራይ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጎም ኣስመራ ኣተዉ።

ናብ ኣስመራ ዝግበር ጉዕዞይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብሚኒባሳት ሓጺር ጉዕዞ ዘጠቓልል ነበረ። ካብ መቐለ ናብ ዓዲግራት፣ ቀጺለ ካብ ዓዲግራት ናብ ሰንዓፈ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሰንዓፈ ናብ ኣስመራ ተጓዒዘ። ኣብ ሰንዓፈ ኣውቶቡስ እናተጸበኹ ከለኹ፣ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ካብ ባር ናብ ባር ክስዕበኒ ተዓዘብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ወኪል ጸጥታ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን። ድሕሪ ብዙሕ ምጽባይ እታ ኣውቶቡስ ተሳፈርቲ ክትጽእን ጀመረት፣ ኣነ ድማ ቀዳማይ ተሳፋራይ ኮይነ ናብ ቲ መኪና ተሰቀልኩ። እቲ ዝስዕበኒ ዝነበረ ሰብኣይ ድማ መጺኡ ኣብ ጎነይ ኮፍ በለ። የማነይቲ ኢደይ ኣልዒለ ብጌጋ ኣፍልቡ ምስ ተንከፍኩ፣ ኣብ ትሕቲ ጃኬቱ ሽጉጥ ምህላዉ ተሰምዓኒ። ወኪል ጸጥታ ምዃኑ ተበሪሁኒ። ወለ ሃደ ነገር ከይገበርኹ፣ ጎኒ ንጎኒ ኮፍ ኢልና ብሓባር ናብ ኣስመራ ተጓዒዝና።

ኣብ ደቀመሃሬ ከባቢ ምስ በጻሕና ትግርኛ ትዛረብ ዲካ ክብል ሃቲቱኒ። ቀጺሉ ድማ ኤርትራዊ ዲካ ክብል ሓተተኒ። ናበይ ከም ዝኸይድን ስለምንታይ ከም ዝኸይድን ክፈልጥ ስለዝደለየ ሓተተኒ። ኩሉ ነገር ገለጽኩሉ፣ ንሱ ድማ ብኣቓልቦ ሰምዖ። ኣምሓርኛ ብጽቡቕ ይዛረብ ነበረ። ብዛዕባ ሞያይን መዕለቢ ቦታይን እውን ሓቲቱኒ። ኣስመራ ምስ በጻሕና ድማ ብሰላም ተፋንዩኒ፣ ኣነ ድማ ናብቲ ዝቕጽል ሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሓሉ እንዳ ሓትነይ ኣምራሕኩ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ብስራሕ ዝጸዋአኒ ትካል ከድኩ። ናብቲ ቤት ጽሕፈት እናቐረብኩ ከለኹ፣ እቲ ናይ ትማሊ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ እቲ ህንጻ ደው ኢሉ ረኣኹ። ካብ ርሑቕ ጠሚቱኒ ቀልጢፉ ገጹ ጠዊዑ ኣብ ልዕሊ ዕምባባታት ክሽይን ምስጀመረ ገሪሙኒ። ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ሰባት እውን ነይሮም። ሰላም ከይበለኑ ገጹ ጠዊዑ ናብ ደገ ገጹ እዝር በለ። በዚ ዘይተለምደ ትርኢት ተገሪመ ፣ ከም ሓድሽ ሰራሕተኛ ምዝገባይ ወዲአ ንምሳሕ ናብ ከተማ ተመለስኩ።

ምሳሐይ ክበልዕ ናብቲ ቤት መግቢ ኣትየ እናበልዕኩ ከለኹ እቲ ሰብኣይ ናብቲ ቤት መግቢ ኣትዩ ስመይ ጸዊዑኒ። ተገሪመ ድማ ከመይ ጌሩ ኣብኡ ከም ዘለኹ ከም ዝፈለጠን ይስዕበኒ ከም ዘሎን ሓተትክዎ። ንሱ ድማ “ኣይፋልን ኣብዚ ከባቢ እየ ዝሰርሕ” ኢሉ መለሰለይ። ምሳሐይ ወዲአ ድማ ተበገስኩ። ንጽባሒቱ ናብታ ቤት መግቢ ተመሊሰ እንደገና ምስ በጻሕኩ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ተቐልቂሉ ሰላም በለኒ። እዚ ኩነታት ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ቀጺሉ ነበረ። ደሃራይ ኮነ ኢሉ ይስዕበኒ ከም ዘሎ ምስ ተረዳእኩ ዝያዳ ተስፋ ቆሪጸን ፈሪሐን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ብዘይካ ስድራ ዝሕግዘኒ ሰብ ኣይነበረንን። ኣእምሮይ ድማ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኩነታትን ነገራትን እንዳፈጠረ ከስተማስል ጀመረ።

ኣብ ካልእ መዓልቲ እዚ ሰብኣይ መሊሱ ብተመሳሳሊ መንገዲ ቀሪቡኒ፣ ኣነ ድማ ብሕርቃን ድሮ ከምዝፈልጠንን ስለምንታይ ከምዝስዕበኒ ሓተትክዎ። ህድእ በል ኢሉ ፣ ድሕሪ ምሳሕ ቡን ክትሰቲ ክዕድመካ እየ ኢሉኒ፣ አኔ ግን ኣብየዮ። ድሕሪ ምሳሕ ናብቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ እንዳ ቡን ከይደ ቡን ኣዘዝኩ። ቡነይ እናሰተኹ ከለኹ እቲ ሰብኣይ መሊሱ መጸ። ኣዝየ ተቖጢዐ ክወጽእ ፈቲነ፣ ንሱ ግን ህድእ ኢሉ፣ ኣይትሻቐል ኢሉኒ፣ ወኪል ጸጥታ ምዃኑ ድማ ገለጸለይ። ክሳብ እታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ይስዕበኒ ከምዝነበረን፣ ብድሕሪኡ ድማ ንጹህ ሰብ ኾይኔ ከምዝረከበኒ ኣረጋጊጹለይ።

ከም ርድኢተይ ካልእ ብሕቡእ ዝስዕበኒ ሰብ ከም ዝነበረ እዩ ዝስማአኒ ። ምኽንያቱ እቲ ሰብኣይ ከይረኣየኒ ናብ ዝኮነ ባር እንተ ኣቲየ ፣ ናብታ ባር መጺኡ ሰላም ይብለኒ ነበረ። እዚ ድማ ካልእ ብሕቡእ ዝስዕበኒ ሰብ ከም ዝነበረን ሃበሬታ ንኡኡ የመሃላልፈሉ ከምዝነበረ እዩ ዝብርሕ ።

ኣባል ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ጉጅለ ምዃነይ ከምዝተጠርጠረ ነጊሩኒ። ሕጂ ግን ነጻ ሰብ ምዃነይ ነጊሩኒ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢሉኒ። ድሕሪ ደጊም ምክትታል ከምዘይህሉ ኣረጋጊጹለይ፣ ድሂሩ ኸኣ ምስ በዓልቲ ቤቱ ከምዘላልየኒ ሓቢሩኒ ተፈላለና። ድህሪኡ እቲ ሰብ አይተቀልቀለን። በቲ ዘጋጠመኒ ኩነታትን ምክትታልን ተገሪመ። ክሳብ ህጂዉን ይገርመኒ እዩ።

ኩነታት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ

ኣብ ዶብ ኤርትራ፣ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ብኡንብኡ ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ክምርመሩ እንከለዉ፣ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ድማ ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ፍሉይ መምለሲ ዕለታት ተዋሂብዎም፣ ከም ቪዛ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ይፍቀደሎም ነበረ። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላት እዩ ዝግበር። ኤርትራውያን ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ዝኸዱሉ ቦታን ፣ ኣዝማዶምን ዕላማ መገሻኦምን ይሕተቱ። ብሕቡእ ከምቲ ንዓይ ዝተመደበለይ ወኪል ጸጥታ ክኸታተሎም ኸኣ እይምደበሎም። እቲ ዝገርም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ፣ ንኢትዮጵያውያን ዘይኮነስ ንኤርትራውያን ነይሮም ዝያዳ ዝፈርሑ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጽኑዕ ምክትታል ዝግበረሉ ዝነበረ። እዚ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝኣተኹሉ ተመክሮ ስለ ዝነበረ፣ ነባሪ ጦብላሕታ ገዲፉለይ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ተሪር ክውንነት

ኣብ 1996 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተኹ፣ እቲ ዝተረዳእክዎ ክውንነት ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዝነበረኒ ፍጹም ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። እቶም ዝጽበዮም ዝነበርኩ ኮማንዶ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእዩን። እቶም ወተሃደራት መንግስቲ እኹል መግቢ እኳ ዝበልዑ ኣይመስሉን። ብዙሓት ካብኣቶም ኣጽዋሮም ከይተረፈ ዝስከሙ ዘይኽእሉ ዓይነት ኮይኖም ረኺበዮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለኹ ዝሰማዕክዎም ፍሉጣት ኮማንዶታት ዛንታኦም ምስ ሓተትኩ ኣብ ሓልሓል ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ዝነብር ጃንሆይ ዝተባህለ መራሒ መዓስከር ወታደራት ኣሲሩ ኣሳቒዩኒ። ኣብ ገረብ ተኣሲረ ብጭካነ ተሃሪመ። ከም በዓል ሞያ ፣ ንሃገረይ ከገልግል ሃንቀውታ ስለ ዝነበረኒ እዩ ናብ ሃገረይ ዝመጻእኩ፣ ኣብቲ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ባርባራውን ዘይሕጋውን ኣካይዳ ክገጥመኒ ከለኹ ግን ኣዝየ ሓዚነ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ተስፋ ምቑራጽ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ምስቲ ቅድሚ ዘመናት ዝነበረ ጋርዮሽ ዝመሳሰል ህይወትን ኣረሜናዊ ዝመስል ኣነባብራን ምስተዓዘብኩ፣ ንድሕሪት ዝተጓዓዝኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ሕይወተይ ከምኡ ዝሃረመኒ ወይ ዝገረፈኒ ሰብ ቅድሚኡ ስለ ዘይፈልጥ፣ ናብ ሓደ ጨካን ሕብረተሰብ ከም ዝተጸንበርኩ ተሰሚኡኒ፣ ንሱ እውን ዋላ ሓንቲ ከይገበርኩ ዝተገብረ መቅጻእቲ እዩ ኔሩ። ጌጋ እንተዝገብር ነይረ እሞ፣ ብአዝዩ ከቢድ መቅጻቲ ምተቐጻዕኩ ነይረ ይብል።

ናብ ኣስመራ ተመሊሰ ኣብ ሓልሓል ዝተፈጸመ ፍጻመታት ንሓለፍተይ ምስ ኣዘንትኩዎም። ዳርጋ ብዘይ ገለ ነገር ‘ክቐትሉኻ ይኽእሉ ነይሮም’ በሉኒ። እቲ ዝሃብዎ መልሲ ደንጽዩኒ።

ኪኖ ሲቪላዊ ተመኩሮታተይ ኣብ ሳዋ ኣብ ወተሃደራዊ አገልግሎት  ዝነበረኒ ግዜ ንጭካነ ኤርትራ ዝያዳ ኣቃሊዑኒ። ኣብ ሳልሳይ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ከም ሰብ ነተጉቲ ጸራጊ ኣብ ነተጉቲ ንከፈንጅር ተመሪጸ ነይረ። ከምዚ እዩ ኣጋጢሙ፣ 12 ሰልጠንቲ ካብቲ ዝደቀስናሉ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ፍሉይ ቦታ ወሲዶምና፣ ድሕሪኡ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጾም ንሞት ክንዳሎ ነጊሮምና። ንብረትና ገዲፍና ኣንሶላ ጥራይ ክንወስድ ተነጊሩና። እዚ ምስ ኣጋጠመ፣ ዋላ ሓደ ካብ ኣዕሩኽተይ ዝፈልጥ ኣይነበረን፣ ምኽንያቱ ካብቲ ኣብ ጸልማት ዝደቀስናሉ ቦታ ቀስ ኢሎም ሃደ በሃደ ስለ ዘበራብሩና፣ እቲ ኣብ ጥቓና ደቂሱ ዝነበረ ሰብ ከይሰምዐ።እቲ ዕላማ ነቲ ነተጉቲ ረጊጹ ካልኦት ወተሃደራት ብሰላም ክሓልፉ ምግባር እዩ ነይሩ። ብዓይኖም ዋጋ ከም ዘይብልናን ክንመውት ድሉዋት ከም ዝኾንናን ተቖጺርና ኢና። ልዕሊ ኹሉ ድማ በዞም ሰባት ዘይጠቅም ወይ ዋጋ ዘይብሉ ምባል የሕምም። ብጸጋ እግዚኣብሔር እታ ከተጓዕዘና ዝተባህለት መኪና ኣብ ሰዓታ ኣይበጽሐትን። ብተወሳኺ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓይልታት ኤርትራ ንድሕሪት ደፊኡ ካብዚ ዘስካሕክሕ ዕጫ ኣድሒኑና።

እቲ ዝገርም ግን እታ ዝሓሰብክዋ ኤርትራን ፣ ብሃቂ ዝረኸብክዋ ኤርትራን ኣይተመሳሰላን። ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ኤርትራ ብዝሓሸ ውዳበ ክትመሓደር እያ ዝብል እምነት ነይሩኒ። እቲ ዝረኸብክዎ ግን ዘይተወደበን ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦን ምሕደራ እዩ ነይሩ። እዚ ዘይተወደበ ጉጅለ ከመይ ጌሩ ነቲ ብጽቡቕ ዝተወደበ ናይ ቀደም ሰራዊት ኢትዮጵያ ክስዕሮ ክኢሉ ኢሌ ክሓስብ ምስጀመርኹ ፣ ይገርመኒ ኢዩ።

ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከተማ ዓሰብ፣

ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ከገልግል ከለኹ ኣብ ካፈተርያና ዝነበረ ዘሕዝን ኩነታት ብኸምዚ እየ ኣስተብሂለዮ። ካብ ጀርመን ዝተለገሰ ጊዜኡ ዝሃለፈ ዱቄት ጸባን ጽሬት ዘይብሉ መግብን ይቀርበለና ኔይሩ። ሓደ ኣዝዩ ጥዕና ዘይብሉ ዓይነት መግቢ ንበልኦ ዝነበረ “ቦጅቦጅ” ይበሃል። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክልተ ባኒ ተዋሂብዎ ነቲ ባኒ ሰቢሩ ኣብ ዓቢ መመገቢ ጻሕሊ ሓዋዊሱ ምስ ካልኦት 7 ሰባት ብሓባር ይበልዕ። እቲ እንበልዖ ጸብሒ መብዛሕትኡ ግዜ ትሕዝቱኡ ኮሚደረ፣ ዘይቲ፣ ማይ፣ ሽንጉርቲ፣ ቀይሕ በርበረን ጨውን ዝሓዘ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ተወሳኺ መኣዛታት ዘይብሉ ዓይነት መግቢ እዩ። እዚ ኣመጋግባ እዚ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ዕርክነትን ሕውነትን ከም ዘስፋሕፍሕ በቶም ኣዘዝቲ ስለዝተኣመኑ፣ ብጉጅለ እምበር ብውልቂ ንክትምገብ ኣይፍቀድን ነይሩ።

እቲ ዋዒ ናይ ዓሰብ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይገበሮ፣ ምኽንያቱ ልዑል ሙቐት ዓሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ይሓልፍ ነበረ። ኣብቲ ዋዒ ሽቓቕ ክንጥቀም ከለና፣ ኣብ ክንዲ ወረቐት ንጥቀም፣ ማይ ከም መጽረይ ንጥቀመሉ ኔርና። ደሓር ከኣ ወረቐት ስለ ዘይነበረ፣ ማይ ምጥቃም ጥራይ እዩ ኣማራጺና ነይሩ። እቲ ሽቓቕ ኣብ ቅድሚ ካፈተርያ ስለ ዝነበረ፣ እቶም ወተሃደራት ነቲ ሽቓቕ ተጠቒሞም ትኽ ኢሎም ናብቲ ካፈተርያ ይኣተዉ ነይሮም። መብዝሓቱ ሰብ እኹል ጽሬት ስለዘይገብር ንጥዕና ሓደገኛ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ መሰረታዊ ፍልጠት ወይ ትምህርቲ ጽሬት ስለዘይነበሮም፣ ጉዳያት ጥዕናና ብዓቢኡ አስጋኢ ነበረ። ስለዚ ብዙሓት ሰባት ብግቡእ ዘይጸረየ ኣእዳው ተጠቒሞም ነቲ ባኒ ኣብ ናይ ሓባር መግቢ ሰቢሮም ኣብ ዓቢ ናይ ድራር ጻሕሊ ብምሕዋስ ሕማም ዘስዕቡ ጀርምታት ብኢዶም ኣቢሎም ናብ ምግብና የሰጋግሩዎ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ብተደጋጋሚ ይሓሙ ነበሩ። ኣነ ንባዕለይ ግዳይ ናይዚ ስእነት ጽሬት ኮይነ ኣብ ዞባዊ ሆስፒታል ብኸቢድ ህማም ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዓራት ደቂሴ ነበርኹ።

ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ውጽኢት ናይቲ ንኹሉ ሰብ ብሓባር ክበልዕ ዘገድድ ናይ ቀረባ ሓለፍቲ ድርቅና እዩ ክበሃል ይከኣል። ዋላ እኳ እቲ ጉዳይ ይፍለጥ እንተነበረ፣ ካብቶም ሰበስልጣን ነቲ ኩነታት ንምእራም ስጉምቲ ዝወሰደ አይነበረን። እቶም መራሕቲ ምኽሪ ካልእ ሰብ ክሰምዑ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ኣብ እዋን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተሓተትካዮ ምኽሪ ወይ ፍልጠት ምሃብ ዘቀጽዕ እኳ እንተነበረ፣ ገሊኦም ምሁራት ግን ነቲ ጉዳይ ብምግላጽ ጥዕና እቶም ወተሃደራት ንከማሓይሹ ፈቲኖም እዮም። እዚ ዘርእየና ብዘይተማህረ ውልቀሰባት ክትምራሕ ኮለካ ዘጋጥመካ ብድሆታት ከቢድ ምዃኑ እዩ።

ዓሰብ ቤት ማእሰርቲ

ሓደ መዓልቲ ምስቲ ሓላፊ ኣሃዱና ዝነበረ ኮሎኔል ናብ ከተማ ዓሰብ ተጓዒዝና። እቲ ኮለኔል ናብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ዓሰብ ኣንፈቱ ስለዝነበረ ንዓይ እውን ናብኡ ወሰደኒ። ኣብኡ ምስ በጻሕና ናብቲ ክበጽሖ ዝደለየ ቤት ጽሕፈት ኣቕነዐ። አኔ ድማ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢለ ንየው ነጀው እናጠመትኩ ጸናሕኹ።

ኣብኡ ዝተዓዘብክዎ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ፣ ሓደ ነዊሕን ጭዋዳታት ዘለዎን ሰብኣይ ንሓደ ብሰንሰለት ሓጺን ተኣሲሩ ዝነበረ መንእሰይ ይገርፎ ነበረ። እቲ መንእሰይ ኣእጋሩን ኢዱን በሃጺን ተኣሲሩን ክሳዱ ድማ ንታሕቲ ተጠውዩ ፣ ብካልእ ወገን ድማ እቲ ሙቐት ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ነበረ። እቲ ወዲ ብረሃጽ ተሸፊኑ እናነብዐ ይበኪ ስነበረ፣ ብኩነታቱ ማራ ሓዚነ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱም መቕጻዕቲ ዝወሃቦ እንታይ ስለዝገበረ ኢዩ ኢለ ሓሰብኩ። ቅድሚ ኩሉ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ከውርድ ርእየን ሰሚዐን ስለ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ተረቢሼ። እቲ ድንጋጸ ንነፍሰይ ስለ ዝረበሸኒ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ካብቲ አዲ ንክወጽ ተመነኹ።

ጸኒሑ ኮሎኔል መጺኡ ናብ መዓስከርና ተመለስና። ጭንቀተይ ንርእሰይ ክገትኦ ስለ ዘይከኣልኩ ነቲ ኮሎኔል ብዛዕባ እቲ ዝረኣኹዎ መቕጻዕቲ ሓተትክዎ። ብዛዕባ እቲ መንእሰይ እንታይ ከም ዝስምዓኒ ነገርክዎ። ኮሎኔል ድማ “ንሕጊ ዘይተኣዘዙ ሰባት ከቢድ መቕጻዕቲ ይወሃቦም” ክብል መለሰ። ካቡ ድማ “ኣይትሻቐል ሕጊ ክሳብ ዝተኣዘዝካ ከምዚ ኣይትቕጻዕን ኢኻ” ኢሉ አጸናንኡኒ።

ብናተይ ኣረኣእያ እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ትምህርቲ ዝህብ ኣይመስለንን እዩ፣ ብሓቂ እቲ ተግባር ንምቕታል ዝተሓሰበ እምበር ንምምሃር ዝተሓሰበ መቕጻዕቲዉን ኣይመስልን ነበረ።

ንሻዕብያ ምርዳእ፤

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፣ እቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ሻዕብያን እቲ ሓቀኛ ሻዕብያን ፍጹም ዝተፈልየ ምዃኑ ተረዳእኩ። ሓቂ እዩ እቲ ፕሮፖጋንዳኦም ንብዙሓት ኤርትራውያን ግጉይ ምስሊ ሂብዎም ኢዩ። እቶም ኣብ ኣስመራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከይተረፉ ንመንግስቶም ጽቡቕ ጌሮም ክርድእዎ ኣይክእሉን እዮም፣ ዝኾነ ሓበሬታ የብሎምን ወይ ኣይረኽብሉን እዮም። መንግስቶም ዘይጋገ ይመስሎም። መንግስቲ ካብ ፍልጠት ነጻ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦምን። እቲ ሓቀኛ ገጽ መንግስቲ ዝፍለጥ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቲኻ ከም ወተሃደር ኮይንካ ከተገልግል ምስ ጀመርካ ጥራይ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ጭካነኦምን ድንቁርናኦምን ብቐሊሉ ክትርድኦ ትኽእል። እቶም መራሕቲ ትምህርትን ተመኩሮ ስራሕን ዝጎደሎም፣ ሞራል ዝጎደሎምን ፣ ብቕዓት ዘይብሎምን ምዃኖም ክረአ ይከኣል። ንሓደ ብስኒት ክነብር ዝጸንሐ ሰብ፣ ምስዞም ሰባት ምንባር ኣብ ኣዝዩ ጨቋንን ሃዋህው ምንባር ኮይኑ ይስምዖ ። ምስኦም ምንባር ምስ እንስሳታት ከም ምንባር እዩ ዝቑጸር።

እቲ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ዘይኮነስ፣ ንውልቃዊ ረብሓ እዩ ነይሩ ኽበሃልዉን ይኸኣል እዩ። ኩሉ ነገር ንውልቃዊ ረብሓን፣ ንኤርትራውያን ከም ወተሃደራት ተጠቒሞም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውዳቕ ኣብ መወዳእታ ነቲ ተቓላሳይ ሕብረተሰብ ክሒዶሞ። እቲ ዘሕዝን ግን ንብዙሓት መንእሰያት ካብ ሃገር ክሃድሙ ኣገዲዶም ፣ ንተግባራቶም ኣብ ሕቶ ዘእተዉ ሓቀኛ ኤርትራውያን ድማ ብስርዓት ኣሳቒዮምን ቀቲሎምን እዮም። ብዘይካ’ዚ ንዲያስፖራ ብምድንጋር ደገፍ ንምርካብ ንጹሃት ኤርትራውያን ምምዝማዞምን ይቕጽሉ ኣለዉ።

ሕብረተሰብ ዲያስፖራ ብስምዒት ዝድረኽ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ኣካል ናይዚ ሕብረተሰብ ምዃን ንባዕሉ ከቢድ ገበንን ብተወሳኺ ኸኣ ነውሪ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ቀንዲ ጠንቂ ባዕሉ ሻዕብያ እዩ እንተኢልና ቅኑዕ ኢዩ፣ ስለዝኮነ ኸኣ ኣብ ክንዲ አንጻር ደርጊ ምቅላስ አንጻር ሻዕብያ ምቅላስ ሰላም ኣብ ምምጻእ እጃም ምሃለዎ ኔይሩ።

ካብ ሕልመይ ምስ ተበራበርኩ፣

ክሳብ ሕጂ ሲቪላዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ብቕዓት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን። ወተሃደራዊ መሓውር እውን ከምኡ። ትምህርቲ ዘይብሎም ሰበስልጣን ልዑል ትምህርቲ ንዘለዎ ሰብ ሞያ እዮም ዘመሓድሩ። መሃንድሳትን ሓካይምን ውልቃዊ ኣገልገልቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢዮም ፣ ኣብ ግራት ናይ ብሕቲ ሕርሻ ሳዕሪ ዝአጽዱ ምሁራት ኢዮም። እዚ ድማ መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ዝተሓተ አወዳድባ ዘለዎ ከምዝኮነን ድኹምን ምዃኑ እዩ ዘርኢ ። ጨቋኒ ስርዓት ንኹሉ ይቐጽዕ። ብወከልቱ ኣቢሉ ንኹሉ ሰብ ይከታተል፣ ዋላ ነቲ ኣዝዩ ብሕታዊ ሓሳባት እውን ብጭካነ ይቆጻጸሮ። እዚ ዘስካኽሕ ክውንነት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ዝተረፈ ዓለም ግና አይኑ ናብ ገጽ ኤርትራ ክምልስ ስለዘይከኣለ፣ ከም ፈረስ ንቕድሚት ጥራይ እናጠመተ ይስጉም ኣሎ። አብ ልእሊ ኤርራዊያን ከምዚ ዓይነት ጭካነ ኣብ ዘመነ ጃንሆይ ይኹን ኣብ ዘመነ ደርጊ ኣይተራእየን።

ኣብ ኤርትራ ዝነበረኒ ጻንሖት፣ ነቲ ዝነበረኒ ግጉይ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ከወግድ ሓጊዙኒ። ተስፋ ናጽነት ብፍርሒ፣ ጭቆናን ምትላልን ክቕበር ኺኢሉ እዩ። ሕልሚ ናጽነት ኤርትራ ብጭካነን በደልን ተመንዚዑ ኢዩ።

መደምደምታ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፣ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሶም ህዝቢ ስጉምቲ ክወስዱ ዘገድድ ስርዓት ኾይኑ። ንዜጋታቱ ኣብ ማእሰርትን ዓመጽን አእቲዎም ይርኸብ። እዚ ኣሰቃቒ ኩነታት፣ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳታት ከምዘሎ እውን ዘርኢ እዩ። ብፍላይ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድርኦም ግህሰትን ዓመጽን ክፍጽሙ ምርኣይ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ናይቲ ሕብረተሰብ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዓይነት ተግባራት ድማ ናይ ስነ ምግባር ጸገም ዘለዎ ሰብ ዝግብሮ ኾይኑ፣ ምስ ከምዚ ዓይነት ጨካን፣ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ግፍኢ አብ ልእሊ ወዲ ሰብ ዝፍጽሙ ሰባት ባሃንሳብ ኾይንካ ምንባር ዘሕፍር እዩ።

ንህይወት ብመንጽር እዚ ክትርእዮ ከለካ፣ ካብ ከምዚ አይነት ስርዓት ብሓባር ምንባር፣ ብዘይ ሃገር ምንባር ይሓይሽ።

Divora (Pen name)

 

LET’S KEEP IN TOUCH!

አዳዲስ ጽሁፎች እንዲደርስዎ ይመዝገቡ

This field is required.

የንግድ ማስታወቂያዎችን አንልክም ።