Insightful articles and discussions to broaden your outlook.

My Perspective. Logo: A stylized representation of the company's name, with vibrant colors and modern design. Explore diverse perspectives on tech, culture, and lifestyle at My Perspective. Discover insightful articles and discussions to broaden your outlook.

የአማርኛውን ትርጉም ለማንበብ እዚህ ላይ ይጫኑ

ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ ኣዋጅ ፈረንሳ (ቅዳሕ ትግርኛ)

ሰብኣዊ መሰላት ሕብረተሰብ ብዝርድኦን ቀሊልን ጽፉፍን ቋንቋ እንተተጻሒፉ ምናልባት እቲ ዝበዝሐ ሰብ መሰል ካልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዘኽብር ክርድኦ ይኽእል እዩ ብዝብል ሓሳብ፣ ነዚ ዝስዕብ ኣዋጅ ፈረንሳ ተርጒሙ ንምቕራብ ተፈቲኑ ኣሎ። ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብሓጺርን ንጹርን ቋንቋ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተዝወሃብ፣ እቲ ሕብረተሰብ መሰል ካልኦት ሰባት ከም ናቱ ጌሩ ምኽባር እንተዝመሃር፣ ክንደይ ፍቕሪ ምነገሰ። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት ንሃገሮም ዝሃስቡ እንዳመሰሎም ፣እዚ ክኸውን ኣለዎ፣ እቲ ክኸውን ኣለዎ፣ ወይ ኣነ ቅኑዕ እየ እናበሉ፣ ንኻልኦት ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ የጥቅዑ፣ ይንዕቁ። እዚ ምጥሓስ ሕግን ስርዓትን ስለዝኾነ ብሕጊ ክኽልከል ይግባእ። ከየረጋገጽና ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ወይ ምዝራብ ንቁጠብ። ብዝመስለኒ ርእይቶ እንዳሃብካ፣ ኩሉ ይፈልጥ ኢዬ ኢልካ ምሕሳብ፣ ወይ ኣብ ስእነት ኣፍልጦ ዝተመርኮሰ ርእይቶ ምሃብ፣ መሰል ካልኦት ሰባት ዝግህስ እዩ። ብዘይተረጋገጸ ርእይቶ ንሕብረተሰብ ምልዕዓል፣ ሃገርን ህዝብን ስለዝጎድእ፣ ከየረጋገጽና ስጉምቲ ካብምዉሳድ ወይዉን ካብምዝራብ ንቆጠብ። ሓደ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከጋጥሞ ዘይፈቕደሉ ነገር ኣብ ካልእ ሰብ ከይፍጸም ምኽልካል ከም ርእሰ ምክልኻል ይቑጸር። ንሕብረተሰብ ምምራሕ እውን እንተኾነ፣ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮዘ እንተኮይኑ፣ ሓደጋን ፍርሕን የጉድል።

ብተወሳኺ መሰሉ ዝተኸብረሉ ሰብ ካብሃገሩ ወጺኡ ናብ ስደት ክኸይድ ኣይምነን። ሕጊ ዘለዎ ሕብረተሰብ ፣ መሰሉን ከምኡውን ግቡኡን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሕብረተሰብ ስለዝኮነ ፣ ብብልሽው ምህደራ ክመሃደር አየፈቅድን ኢዩ። እቶም ሓለፍቲ ድማ ስልጣኖም ብሓጎስን ብሰላምን ኣብ ዘመሓድሩሉ እዋን፣ ስልጣኖም ፍረ ዘለዎ ክኸውን እዩ፣ ብዙሕ ሽግር ኣይክህልዎምን ።

ሕጊ ዘለወንን ዘተግብራን ሃገራት ብሃገራዊ ሕጊ ኣቢለን ካብ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ክከላኸላ ይኽእላ እየን። ዋላ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እንተኾኑ፣ ሕግታት ሃገር ኣኽቢሮም ነቲ ሕብረተሰብ ክጎድእ ዝኽእል ነገር ክሳብ ዘይሰርሑ፣ ኣብ ዝደለይዎን ዝፈትውዎን ቦታ ምንባር ባህርያዊ መሰሎም ክኸውን ይግባእ። ኣብታ እግዚኣብሄር ዝፈጠራ መሬት፣ ሃደ ወዲ ሰብ ንኻልእ ፍጡር ኣምላኽ፣ ኣብዚ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ፣ እዚኣ መሬተይ እያ ክትብልን ክትሓስብን፣ ስስዐ ጥራይ ዘይኮነስ ድንቁርና እውን እዩ። ንቁጠባ ሃገር ካብ ምጉዳእ ብተወሳኺ፣ ተፈጥሮኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝግህስ እዩ። ኩሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ፍጡር ግዝያዊ እምበር ዘለኣለማዊ ስለዘይኮነ፣ ብፍቕሪ፣ ብተጻዋርነትን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ዘለዎ ናብራ ምንባር፣ ግቡእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንፈጣሪ ዘሕጉስ ተግባር ኢዩ።


The declaration of the humanright_V.tigrigna
The declaration of the humanright_V.tigrigna

The declaration of the rights of man and of the citizen (1789)

Published: May 27, 2023

295 Downloads

LET’S KEEP IN TOUCH!

አዳዲስ ጽሁፎች እንዲደርስዎ ይመዝገቡ

የንግድ ማስታወቂያዎችን አንልክም ።

A call-to-action!

Welcome to Our site! Explore The Omo Valley Communities and Learn About Their Current Situation