Insightful articles and discussions to broaden your outlook.

My Perspective. Logo: A stylized representation of the company's name, with vibrant colors and modern design. Explore diverse perspectives on tech, culture, and lifestyle at My Perspective. Discover insightful articles and discussions to broaden your outlook.

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ክገብሮ ዝደለዮ, ብተርጐምቲን መርበብ ሰልዩኡን ይገብር።


ትርጉም አማርኛ

Translation française
English Translation

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ክገብሮ ዝደለዮ, ብተርጐምቲን መርበብ ሰለዩኡን ይገብር።

ገበናት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኤውሮጳ ይቃላዕ ከምዘሎ ክትሰምዕ ከለኻ ዓቢ ነገር እዩ። ነገራት ይቕየሩ ስለዘለዉ፣ ኩነታት ኤርትራ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዘየማትእ መንገዲ ይክሻህ። ብፍላይ እቶም ተርጐምቲ ዝበሃሉ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘውረድዎ ጉድኣት። እንተኾነ ኤውሮጳውያን ከምዚ ዓይነት ገበናት ብኤርትራውያን ስለያ ክፍጸም ይኽእል እዩ ኢሎም ኣቐዲሞም ዘይምህሳቦም ዘገርም እዩ። ነዚ ነገራት እዚ ካብ መጀመርታ ኣቓልቦ እንተዝህብዎ ነይሮም ንብዙሓት ቅኑዓት ስደተኛታት ክሕግዙ ይኽእሉ ነይሮም። ኣብያተ ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንግስቶም ስለያ ቀለቤታት ኣብ  ገዛእ  ልኡላዊት ሃገሮም ክፍጸም እንከሎ  ዘይምክልኻሎም፣ ድኽመቶም እዩ።

ቀንዲ ገበነኛታት ኤርትራውያን ተርጐምቲ ኮይኖም፣ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ስለያ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ’ውን ተሓተትቲ እዮም። ነቲ ሓታቲ ዑቕባ ንነዊሕ እዋን ህይወቱ ከበላሹ እኳ እንተኪኢሎም፣ ሕጂ ግን ግዚኦም ዝኣኸለ ይመስል። እዚ ጉዳይ እዚ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክብደት እኳ እንተዘይተዋህቦ፣ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይበጽሖም ነይሩ ኢዩ።

ኣብ ኩሉ ግዜን ቦታታትን ትያትር ምርኢታት ርኢና ኢና። መንግስቲ ኤርትራ ንገለ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ነቲ ኩነታት ብዓይኖም ክምርምሩን ክርእዩን ክዕዘቡን ዓዲሙዎም ኔሩ። ኣብ መወዳእታ፣ ገለ ኣባላት ባይቶ፣ ትያትር መንግስቲ ኤርትራ ኣሚኖም፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ስጉምቲ ክውሰድ ሓቲቶም ነበሩ።

ንብዓት ሃርገጽ ምኩዋኑ እምበሪ፣  እቲ  ሓቂ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስደተኛታት ስለዝረብሕን ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስለዝኾኑ ክህልዉ እዩ ድሌቱ። መንግስቲ ገንዘብ ንምርካብ ካልእ መንገዲ ክምህዝ ኣይከኣለን። እዚ ድማ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቶም ከም መመንጨዊ ገንዘብ ተጠቒሞም እድሜኦም ንከራዝሙ ስልጣኖም ከዕቅቡ ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ዝያዳ ስደተኛታት ክስደዱ ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ብመልክዕ ስደተኛታት ብቐሊሉ ሰለያታቶም ክሰዱ ስለዘኽእሎምን ፣ ስደተኛታት እውን ምንጪ ገንዘብ ስለዝኾኑን እዩ። ብሓደ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ይቐትሉ። ናይ ወጻኢ ባጤራ ይእክቡ፣ ንተጻረርቶም እውን ብሰለይቲ ገሮም ይኮልፉ። ስደተኛታት ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምንጪ ምዃኑ ንጹር እዩ።

ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተዉ፣ ኣብ ኤውሮጳ ንነዊሕ እዋን ዝነብሩ ሃሱሳት መንግስቲ (ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ) ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ነቶም ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ንክረኽቡን፣ ድሕሪኡ ድማ ስራሕ ክረኽቡ ይሕግዝዎም። ብኣንጻሩ ድማ ነቶም ንመንግስቲ ዝቃወሙ ሰባት ስራሕ ከይረኽቡ ወይ ከይሰርሑ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ እዮም። በዚ ምኽንያት ኢዩ ድማ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተዉ ነቲ መንግስቲ ንከይቃወሙ ዝፈርሑ። እንተዘይኮይኑ ብክፍኣት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰለያ መርበብ ክሳቐዩ እዮም። አብ ገለ ገለ ካንቶናት፣ መንበሪ ፍቓድ ምርካብን ስራሕ ምርካብን ብመርበባት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ይጽለው ስለዝኮነ።

ካልእ ጽዩፍ ተግባር መንግስቲ፣ ንነፍሲ ​​ወከፍ ኤርትራዊ ስደተኛ ብናይ ስለያ መርበቡ ምክትታል ኢዩ፣ ኩነታት ዉልቀሰብ ኣጽኒዑ፣ ነቲ ሓበሬታ ኣብዚ ይኹን ኣብ ኤርትራ ምትልላፍን ምሕባርን እዩ። ንኣብነት ንመንግስቲ ዝቃወም ኤርትራዊ ስደተኛ ስራሕ እንተረኺቡ፣ እዞም ሰለይቲ ዝሰርሓሉ ቦታን ስም ናይቲ ትካልን የጽንዑ።  ድሕሪኡ ድማ በቲ መርበቦምን  ጉቦ ብምኽፋልን ካብ ስርሑ ንምውጻእ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ እዮም። እዚ እቲ ኣዝዩ ፍንፉንን ሕቡእን ውዲት መንግስቲ ኤርትራ እዩ።

ኣብዚ ገበን ብወገን መንግስቲ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ልኡኻት እውን ብዝተፈላለየ ስልትታትን መታለሊ ሜላታት ነመንግስቲ ንክህግዙ ይግደዱ እዮም።

ንገሊኦም ብድኹም ጎኖም፣ ንገሊኦም ብከብዶም፣ ንገሊኦም ድማ ብግዴታን ብምፍርራሕን ይጥቀሙሎም። ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት (ኣብ ኤውሮጳ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝተቀመጡ) ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምግባር ርካሽ መሬት ወይ ኣፓርታማታት ንክገዝኡ እድል ይወሃቡ፣ ብገርሆም ከአ ገንዘቦም አብ ኤርትራ የዋፍሩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ነዚ ወፍሪ መንግስቲ ከም መተሃዚ ተጠቒሙ ነዞም ሰባት እዚኦም ንመንግስቲ ንክሰርሁ የገድዶም፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ዝኽእሉ ኣባላት ስድራቤቶም ክህልዎም ስለዝኽእል፣ መንግስቲ ብዝበሎም ይምእዘዙ፣ ስለዚ ኣብ እከይ ስራሕ መንግስቲ ዝሳተፍ ሰብ፣ ብዘይካ ገለ ገለ አንጃል ሰብ ፣ብፍቕሪ ዘይኮነስ  ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኢዩ ንመንግስቲ ዝድግፉ ። እቲ ፍሉጥ ነገር፣ መንግስቲ ኤርትራ ዋላ ሃደ እኳ ዝፍተው ነገር የብሉን።

ኤውሮጳውያን ዉዲት መንግስቲ ኤርትራ ስለዘይርድኦም ግና ፣ ብዙህ ቅኑዓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተበዲሎም ይነብሩ አለዉ።

ዲቮራ (ናይ ብርዒ ስም)


LET’S KEEP IN TOUCH!

አዳዲስ ጽሁፎች እንዲደርስዎ ይመዝገቡ

የንግድ ማስታወቂያዎችን አንልክም ።

A call-to-action!

Welcome to Our site! Explore The Omo Valley Communities and Learn About Their Current Situation