Insightful articles and discussions to broaden your outlook.

My Perspective. Logo: A stylized representation of the company's name, with vibrant colors and modern design. Explore diverse perspectives on tech, culture, and lifestyle at My Perspective. Discover insightful articles and discussions to broaden your outlook.

English Translation

እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ቪድዮ ቃለ መሕትት ዝተገብረላ መንእሰይ ጽቡቅ እንግሊዝኛ ትዛረብ፣ እዚ ማለት ድማ ካብ ኢሳይያስ ጽቡቕ ትምህርቲ ዝረኸበትን ዝሓሸ ፍልጠት ዘለዋን እያ። ይኹን እምበር ኣብ ዓንኬላት ህግደፍ ኣብ ዝለዓሉ ጽፍሕታት ኣብ ዝኾነ ቦታ የብላን። ወይ ድማ ግዳይ ኮይና ድሕሪ ሕጂ ኣብ መንጎና የላን ክትከውን ትኽእል እያ። ዋላ’ኳ መራሒ ክኸውን ዘኸዕል ፍልጠት እንተዘይነበሮ፣ ኢሳያስ ግን ንመሪሕነት ዝሓሰበሉ ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን’ዩ መራሒ ኮይኑስ ህጂ ሃገር ናብ ገደል ይመርሃ አሎ። ነቲ ናቱ እንተርቪው ሪእኻ ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ በሊሕ መንእሰይ ከም ዘይነበረ ክትርድኦ ቀሊል እዩ። ኣብ ቃለ መሕትቱ “ገለ ተበላጽነጽትን፣ ዘይንቡራዊ ቃልሲ ዝንባለታት ኣለዉ” ይብል። ካብ በቲ ዝተሰብረ እንግሊዘኛ ብትግርኛ እንተዝብሎ ተመራጺ ኔሩ። እዚ ሰብኣይ ፕረዚደንት ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘይሕተሃስበ ችግርን መከራን ምዉራዱ ዘሕዝን እዩ። ብተመሳሳሊ እቶም ኣብ መጀመርታ ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኩሎም ብቕዓት ዘይብሎም ሰባት እዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል ኢዩ፣ ብዘይ ድኽመቶም ኢሳያስ መራሒ ናይ ምዃን ዕድል ኣይምረኸበን ኔሩ።

ከምንርእዮ፣ ኢሳያስ ኣብታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተጸንበረላ ህሞት እኩል ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ብዙሕ መሳለጥያታት ኣብ ዘይነበረሉ፣ እኩል መግቢ ዘይነበረሉ፣ መጽሓፍቲ ዘይነበረሉ፣ ንኸተንብብ ዝድርኽ ኣብ ዘይነበረሉ ዞባ ኲናት ስለ ዝነብር ፣ ተወሳኪ ፍልጠት ከእክብ አይከኣለን። ብተወሳኺ፣ ነቶም ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ዘለዎምን ካብኡ ዝሓሸ ሓበሬታ ዘለዎምን ብኸመይ ከም ዝቐትሎም ስትራተጂታት ኣብ ምሕንጻጽ ማዕረ ማዕሪኡ ተጸሚዱ ስለዝነበረ፣ ጊዜ ኣይረከበን። እቲ ዘይርጉእ ሓንጎሉ ከማን መጽሓፍ ንከንብብ ግዜ ኣይህቦን’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ክሳብ ሎሚ መሃይም መራሂ ሃገር ኮይኑን፣ ትዕቢተኛን ውልቀ መላኺ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንሃገር ድማ ናብደልሃመት ይመርሃ አሎ።

ሓደ መዓልቲ፣ ኢሳያስ ኣብ ኤረ ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ “ፍልጠት ምሕደራ ድሌት እንተሃልዩካ ክትመሃሮ ቀሊል እዩ” ክብል ገሊጹ ነይሩ። ወሲኹ ድማ፣ “ዋላ’ውን ወግዓዊ ስልጠና እንተዘይብልና፣ ነቲ ኲናትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ኣብ ናቅፋ ከነመሓድር ክኢልና ኢና ” ኢሉ። “እዚ ዝኾነ ፍሉይ ክእለት ኣይሓትትን’ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። መሃይምን ፍልጠት ዝጎደሎን ኮይኑ ብግልጺን ብዘይ ሕፍረትን ብዛዕባ ዕሽነቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክሳብ ዝዛረብ ዝገበሮ ድማ እቲ ሰአን ፍልጠቱ እዩ።

ኢሳያስ እቲ እንኮ ዘለዎ ፍልጠት፤ ቃላት ኣቦታቱ ከመይ ጌሩ ከም ዝጥቀመሉ ምፍላጡ እዩ፣ ” ንሃማሼናይ እንዳ መሃልካ፣ ንዶርሆ ጥረ እንደሃብካ” ትብል ምስላ ጽቡቅ ጌሩ እጽኒኡዋስ፣ ይጥቀመላ አሎ።

ዲቮራ

LET’S KEEP IN TOUCH!

አዳዲስ ጽሁፎች እንዲደርስዎ ይመዝገቡ

የንግድ ማስታወቂያዎችን አንልክም ።

A call-to-action!

Welcome to Our site! Explore The Omo Valley Communities and Learn About Their Current Situation