Insightful articles and discussions to broaden your outlook.

My Perspective. Logo: A stylized representation of the company's name, with vibrant colors and modern design. Explore diverse perspectives on tech, culture, and lifestyle at My Perspective. Discover insightful articles and discussions to broaden your outlook.

English translation

እቲ ሚኒዋለ ፕረዚደንት ፤

ሓደ ሰብ፣ ፕረዚደንትና ጽሉል ኢዩ፣ ኣብ ግድብ ዓዲ ሃሎ ከም ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ ኮይኑ ሰልፊን ቪድዮን  ክሰዓል ይዉእል አሎ፣ ክሳብ ክንደይ ጻዕራምን ናይ መዓልቲ ሸቃላይን ምዃኑ ክንፈልጥ ድማ ፣ ስእሉ ኣብ ተለቪዥንን ፌስቡክን ይዝርግሕ ኣሎ ኢሉ። ከመይ ጌሩ ከም ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ ይኹን ከም ፕረዚደንት ሃገር ብፈረቓ ምምራሕ ይከኣል ዝብል ሕቶዉን ኣልዒሎም። ንህና ከምቲ ኣብ ሰልፊ ዝረኣናዮ ግን፣ ንፉዕ ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ እውን ምዃኑ ምርኣይና ኣዝዩ የሐጉሲና ኢዩ። በዚ ሙያ እንተቐፂሉ ንሃገር ዝሓሸ ውፅኢት ከምዘምፅእዉን ንኣምን። ምናልባት’ውን ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘውረዶ ኩሉ ዕንወት ክኽሕሶ ስለዝኽእል።

እቲ ሚኒዋለ ፕረዚደንት

ድሌትና ግና ሓቀኛ ፕረዚደንት፣ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ንህዝቢ ዝሰምዕ፣ ቅዋም ዘተግብር፣ ሃገር ዝውክል፣ ሃገር ብቅዲ ዘመሓድርን ዝመርሕን መራሒ ክህልወና እዩ። ካልእ ኣማራጺ እንተንረክብ ምሓሸና ኢልና ንኣምን። ኢሳያስ ጽቡቕ ዕድል ንምነየሉ፡ ኣብ እርጋኑ፡ ዝምጥኖን ዝመልኮን ናይ መዓልቲ ስራሕ ክሰርሕ ግዜ ስለ ዝረኸበ።

ቤት ጽሕፈቱ ናብ ዓዲ ሃሎ ኣግኢዙ። ኣዲ ሃሎ ኣብ ስራሕ ኣለኹ ኣጋይሸይ ናብ ኣዲ ሃሎ ኣምጹእዎም። በጻሕቲ ምሳይ ሰልፊ ክወስዱን ናይ PR ስራህ ክንሰርህ ንክዕል ኢና ይብል።

ኣጋይሸይ ናብ ኣዲ ሃሎ

እቲ ዝገርም፣ እዞም አጋይሽ እንታይ ኢሎም ይሃቱ ደኮን ? “ኣብዛ ሃገር ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ የለን ድዩ?” ፕረዚደንት ንምንታይ እዩ ስራሕ ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዝሰርሕ? ኢሎም ይሓቱ ይኮኑ ። መልሲ ዝምልሰሎም ሰብ ስለዘይረኸቡ ግና ባዕሎም ይምልሽዎ። ነዚ እዩ ድማ ኣብዛ ሃገር ን30 ዓመታት ዝኾነ ምዕባለ ዘይተራእየ ይብሉ ደኮን ? ምኽንያቱ ፕረዚደንት ኣብ ኩሉ ቦታ ክሳተፍ ስለዘለዎ። ከሙእ ድማ ኣብ ሚድያ። ፕረዚደንት እኹል ግዜ ስለዘይምርካቡ ይንገረሉ። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ስእነት ምሕደራ ህዝቢ ኣብ ሽግር፣ መንእሰይ ድማ ሃገር ገዲፉ ክስደድ እንኸሎ። ፕረዚደንት ብብዙህ ስራህ ትሑዝ ስለዝኾነ መብጽዓታቱ ከማልእ ከምዘይክእል ይንገረሉ። ዓቕሚ ዘይብሉ ፕረዚደንት ካብ ዝበሃል፣ ባተለ (ጻዕራም) እዩ እንተዝበሃል ይህሾ።

ስራሕ ህንጸት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግላጽ ጥራይ፡ ጽኑዕ ስልጠናን ፍሉይ ክእለትን ከምዝሓትት ኣብነት ንውሰድ፤

ህንጻ ወይ ዲጋ ኣብ ምህናጽ፣ ወይ መእቆሪ ማይ ኣብ ዝህነጸሉ እዋን ዓሚቅ ፍልጠት ዘድልየሉ ምኽንያት፣ ሓደ ዘይሞያዊ ሰብ ብቐሊሉ ክርድኦ ዘይክእል ብዙሕ ነገራት ስለዘሎ እዩ። ሳክት ሰብ ካባዶ ተበጊሱ እንጂነር ኢዬ ኢሉ። ግድብ ብዝህ ዝበለ ኮንክሪት ጌርካ ዝስራህ ነገር እዩ፣ ገዛ እውን እንተኾነ መሰረትን ዓምድን ረጒድ ጌርካ ክስራህ ይኸኣል እዩ ኢልካ ዝግበር ስራህ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ስራህ ብምህላው ድሌት ወይ ብፍትወት ዝስራሕ ዘይኮነስ ናይ ብዙሕ ዓመታት ሞያዊ ትምህርቲ ዘድልዮን ዝሓትትን እዩ።

ንኣብነት መእቆሪ ማይ ክስራሕ ከሎ ኣብቲ ዲዛይን ሓደ ተራ ሰብ ብቐሊሉ ክርድኦ ዘይክእል ነገራት ብዙህ ኣሎ። ፣ ንበዓል ሞያ ከይተረፈ ዘሸግሩ ነገራት ኣለዉ። መጀመርያ ቁጽሪ ተጠቃማይ ወይ ኸኣ ክንደይ ሰባት ነቲ ዝስተ ማይ ከዝጥቀሙሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪኡ፣ ስፍሓት ቡኣንቡዋ ክንደይ የድልየናዩ፣ ዘለና መጠን ማይ ክንደይ እዩ፣ ቁመት ዕቋር ማይ ድማ ክንደይ ሜትሮ ይበጽህ። ጸቕጢ እቲ ማይ እንታይ ይመስል፣ መንደቕ ናይቲ ማይ መእቆሪ ክሳብ ክንደይ ረጒድ ክኸውን ኣለዎ፣ ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትንዉን ኣብኡ ክኻተቱ ኢዮም። ንኣብነት እቲ ማይ ኣብ ዉሽጢ መእቆሪ ማይ ክንደይ መዓልቲ ይጸንሕ። መጽናዕቲ ከምዝህብሮ፣ እቲ ማይ ኣብቲ ዉሽጢ እቲ መእቆሪ ማይ ልዕሊ ሰለስተ መዓልቲ እንተጸኒሑ፣ ንጥዕና ጽቡቕ ከምዘይኮነ ይንገር። ምኽንያቱ ባክተርያታት ኣብ ዉሽጢ መእቆሪ ኽራባህ ስለ ዝኽእል። ዲዛይን ክግበር ከሎ ፣እቲ ማይ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ተተኪኡ ብሓድሽ ማይ ከምዝምላእ ክግበር አልዎ። ስለዚ እቲ ዲዛይን ነዚን ንካልኦትን አገዳሲ ነገራት ዘጠቓልል ክከዉን ይግበኦ። እቲ ንጥቀመሉ ኬሚካል chlorine ዲዩ ዋላ ኦዞን (O3) ከምዝከዉን ምልላይ እውን የድሊ። ሰልፊ ንምዉሳድ ምቹእ ክኸውን ይኸል ይኸዉን። ይኹን እምበር ዘላቒን ንሕብረተሰብ ዝጠቅምን ስራሕ ምስራሕ ብስምዒት ጥራሕ ክስራሕ ኣይከዓልን ኢዩ። እቲ ንሰላሳ ዓመት ትሰርሖ ዝነበርካ ናይ ፕረዚደንትነት ሙያ ብግቡእ ከይሰራሕካስ፣ ኣብ ዘይ ተሞከርካሉ ናይ ምህንድሰና ንጥፈታት ብምስታፍ ኣድማዒ ክትከውን ኣይከኣልን እዩ።

ንኣብነት ግድብ ህዳሰ እንተወሲድና ኢትዮጵያ ብዙሓት ምኩራት መሃንዲሳት እንኸለዋ፣ እቲ ስራሕ ግን ንኮንትራክተር ሳሊኒ ኢዩ ተዋሂቡ፣ ምኽንያቱ ናይ ብዙሕ ዓመታት ልምዲ ዘለዎ ኮንትራክተር ነቲ ስራሕ ብጥንቃቐን ብትክክልን ክፍጽሞ ስለ ዝኽእል።

ዲቮራ

LET’S KEEP IN TOUCH!

አዳዲስ ጽሁፎች እንዲደርስዎ ይመዝገቡ

የንግድ ማስታወቂያዎችን አንልክም ።

A call-to-action!

Welcome to Our site! Explore The Omo Valley Communities and Learn About Their Current Situation